Fana: At a Speed of Life!

ከተማ ምምሕዳር ድሬዳዋ ምስ ኩባኒያ ቻይና ሲሲ.ኢ.ሲሲ ስምምዕነት ህንፀት ፓርክ ኢንዱስትሪ ተፈራሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ከተማ ምምሕዳር ድሬዳዋ ምስ ኩባኒያ ቻይና ሲሲ.ኢ.ሲሲ (CCECC) ስምምዕነት ህንፀት ፓርክ ኢንዱስትሪ ተፈራሪሙ።

እቲ ሰነድ ስምምዕነት፥ ምክትል ከንቲባ ከተማ ምምሕዳር ድሬዳዋ ኣሕመድ ቡህን ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኩባኒያ ሲሲ.ኢ.ሲሲ ጉዎ ቾንግፌንግን ፈሪሞምዎ።

ትማሊ ኣብ ከተማ ደሬዳዋ ዝተፈረመ እቲ ስምምዕነት፥ እቲ ኩባኒያ ኣብ መጀመርታ ዙር ኣብ ልዕሊ 370 ሄክታር መሬት ዝዓርፍ ፓርክ ኢንዱስተሪ ንምህናፅ ዘኽእል ከምዝኾነ ካብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ድሬዳዋ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኩባኒያ ሲሲ.ኢ.ሲሲ ኣብ ድሬዳዋ ከባቢ መልካ ጀብዱ ኣብ 1 ሺሕ ሄክታር መሬት ዝዓረፈ ናይ ባዕሉ ፓርክ ኢንዱስትሪ ብምህናፅ ሰብ ሃፍቲ ቻይና ብፍላይ ሓፍቲ ከተማ ድሬዳዋ ካብ ዝኾነት ከተማ ኩንሻን ሰብሃፍቲ ንምስሓብ ሃቂኑ እናሰርሐ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ስነ-ስርዓት ርኽክብ መሬት ኣብ ሓፂር እዋን ብምዝዛም ስራሕቲ ህንፀት ከምዝጅምር ትፅቢት ዝግበረሉ እቲ ፓርክ ኢንዱስትሪ፥ ንብዙሓት ዜጋታት ዕድል ስራሕ ከምዝፈጥር እውን ተሓቢሩ።

ነበርቲ እቲ ከባቢን ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲን፥ ኣብ ምቅልጣፍ ህንፀት እቲ ፓርክ ኢንዱስትሪ ኣወንታዊ ኣስተዋፅኦ ከብርክቱ ከምዝግባእ እውን ኣብቲ ስነ ስርዓት ፌርማ ፃውዒት ቀሪቡ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.