Fana: At a Speed of Life!

ከተማ ኣክሱም መርኣያ ናይ ኩሎም ተፈጥሮኣዊን ሰብ ሰራሕን ሓድግታት ትግራይ እያ – ኣይተ ጌታቸው ረዳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሕዳር፣ 2016(ኤፍ ቢ ሲ)ዓመታዊ ክብረ በዓል ሕዳር ፅዮን ብዝለዓለ ድምቀት ተኸቢሩ።

ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተኸበረ ዓመታዊ ክብረ በዓል ሕዳር ፅዮን፥ ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ እቲ ክልል፣ ብርክት ዝበሉ ሰዓብቲ እምነት ኦርቶቶክስ ሃይማኖት፣ ኣቦታት ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓዲን ተረኺቦም።

ብተወሳኺ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያን ወፃኢ ሃገራትን ዝመፅኡ ቁፅሮም ብርክት ዝበለ ኣጋይሽ ኣብቲ በዓል ተረኺቦም።

ኣብቲ ኣብ ከተማ ኣክሱም ብድሙቕን ብዝተፈለየ ሃይማኖታዊ ስነ ስርዓትን ኣብ ዝተኸበረ በዓል ሕዳር ፅዮን 2016 ዓም ተረኺቦም መልእኽቲ ዘሕለፉ ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፥ ኣብቲ ክልል ብሰንኪ ዝነበረ ኲናት ዘጋጠሙ ፀገማት ኣብ ምፍታሕን ህልዉና ህዝቢ ብዘተኣማምን መገዲ ኣብ ምቕፃልን ብሓባርን ብዉዳበን ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።

ብፍላይ ስትራተጂካዊ ፖለቲካዊ መሪሕነት ትግራይ ኣብ ምምዕርራይን ዝተሓላለኸ ፖለቲካዊ መገዲ መልክዕ ኣብ ምትሓዝን ብዕቱብ ይስረሐሉ ከምዘሎ ኣገንዚቦም።

ከተማ ኣክሱም መርኣያ ናይ ኩሎም ተፈጥራኣዊን ሰብ ሰራሕን ሓድግታት ትግራይ እያ ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው፥ ብሰንኪ እቲ ዝነበረ ኲናት ዝዓነዉ ሓድግታት ብምፅጋንን መሊስካ ናብ ረብሓ ክውዕል ኢዩ ኢሎም።

ሕዳር ፅዮን ርእሰ ኣውደ አመታት እያ፣ካብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዝኣምንን ዘይኣምንን ፃዕዳን ፀሊምን ኮታስ ንታሪኽን ቅያን ክብሪ ዝህብ ኩሉ ናብ ሓደ መኹባዕቲ ናብ ኣኽሱም ዝመፅኣሉ በዓል ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ርእሰ ምምሕዳር÷ ኣኽሱም ማእኸል መንበረ ሰባ፣ መንበረ ያሬድ፣ መንበረ ዘርኣያቆብ፣ መንበረ ጥበብ፣ መንበረ ሰላማ ከምዝኾነት ኣብሪሆም።

“ኣኽሱማውያን ተጋሩ ዓለም ብዓለማ ኣብ ደልሃመት ፀልማት ኣብ ዝነበረትሉ ዘመን መንግስትነት፣ ስርዓትን ሕግን ንዓለም ኣብነት ኾይኖም ዘርኣዩ ሰብ ድርብ ቅያ እዮም” እውን ኢሎም።

ኣኽሱም ፈላሚት ቅያ ታሪኽ፣ ሓድጊ ፊደል፣ ዓወደ ኣዋርሕን ቁፅሪን ከምዝኾነተ ገሊፆም።

“ናይ ሰላም ባህግናን ዘኹርዕ ጋሻ ተቀባላይነትናን ኩሉ ይርአ፤ ምስኹሉ ክንነብር ንኽእል ምዃንና ኣብ ቀረባን ርሑቑን ዘሎ ኩሉ ይገንዘብ” ኢሎም።

ቱሪዝም ትግራይ ዳግም ክህነፅን መንእሰይ ትግራይ ካብ ስደት ተናጊፉ ኣብ ዓዱ ሰሪሑ ዝነብረሉ ባይታ ንምፍጣርን ከምዝስራሕ ኣብሪሆም።

“ኣብ መሰረታዊ ረብሓታት ህዝቢ ትግራይ ከይተዋገና ምስ ኩሎም ጎረባብቲ ህዝብታት ዘለና ዝምድና ኣጠናኺርና ክንቅፅለሉ ኢና” እውን ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.