Fana: At a Speed of Life!

ከተማ ኣዲስ ኣበባን ቾንግኪንግን ሰነድ ስምምዕነት ኣሓት ከተማታት ከቲመን

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ከተማ ኣዲስ ኣበባን ቾንግኪንግን ሰነድ ስምምዕነት ኣሓት ከተማታት ከቲመን።

ብመዓርግ መክትል ከንቲባ ሓላፊ ቢሮ ፅባቐን ሓምለዋይ ልምዓትን ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ  ጀማሉ ጀንበር (ዶ/ር) ዝመርሕዎ ልኡኽ ኣብ ቻይና ከተማ ቾንግኪንግ ዑደት ስራሕ ኣሳሊጡ።

ኣብቲ እዋን ከተማ ኣዲስ ኣበባን ቾንግኪንግን ሰነድ ስምምዕነት ኣሓት ከተማታት ከምዝኸተማ ኣብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እተን ከተማታት፥ ብንግዲ፣ ትምህርቲን ባህልን ዘሎ ምትሕብባር ክብ ንምባል ዘኽእል ስምምዕ ምኽታመን ተገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.