Fana: At a Speed of Life!

ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዓለም ለኸ ሽልማት ራኢ ዜሮ ተቓላዕነት ሓደጋ መኪና 2021 ተረኪባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዓለም ለኸ ሽልማት ራኢ ዜሮ ተቓላዕነት ሓደጋ መኪና 2021 ተረኪባ።

ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዓለም ለኸ ሽልማት ራኢ ዜሮ ተቓላዕነት ሓደጋ መኪና ዓመተ 2021 ኣመራርሓ መናእሰይ (International vision zero for youth leadership award) ኢያ ተዓዋቲት ኮይና ዘላ፡፡

ብሄራዊ ማእኸል ኣሜሪካ ንምቹው መገዲ ኤፍ አይ ኤ (FIA) ምስ ዝተብሃለ ፋውንዴሽን ብምዃን ኢዮም እቲ መረፃ ዘካየዱዎ ውድድር ኢዩ።

ብዋንኡ ድማ ንመናእሰይን ተምሃሮን እታ ከተማ ፖሊሲ ኣጠቓቕማ መገዲ እግረኛታትት ብምውፃእን ብምትግባርን ንዘርአየቶ ኣብነታዊ ስራሕ፤ ከምኡ እውን ኣብ ከባቢ ኣቢያተ ትምህርቲ ቅልጣፈ ነኪኻ ብምሽክርካርን ዘላቒ መከነዪ ሓደጋ ትራፊክ ብምትግባርን ንዘመዝገበቶ ለውጢ ኢያ ተዓዋቲት እቲ ሽልማት ኮይና፡፡

ኣብ ከባቢ ኣቢያተ ትምህርቲ መሰረተ ልምዓታት መጥቀሚ እግረኛታት ብምስፍሕፋሕን ኣብ ወርሒ ሓደ ግዘ መርሃ ግብሪ መኪና ኣልቦ ጎደናታት ብምትግባር ኣተሓሳስባ ደቂ ሰባት ብምቕያር ጎደናታት ንመናእሰይ መዘናግዒ ክኾኑ ብምግባር ንዝሰርሐቶ ስራሕ እቲ ሽልማት ክትረክብ ከምዝኸኣለት እውን ካብ ቤት ፅሕፈት ፕሬስ ሴክሬታሪያት ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.