Fana: At a Speed of Life!

ከተማ ደሴ ሕዚ እውን ኣብ ሰላማዊ ምንቅስቓስ ትርከብ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ከተማ ደሴ ሕዚ እውን ኣብ ሰላማዊ ምንቅስቓስ ከምትርከብ መምርሒ ሰላምን ድሕንነትን እታ ከተማ ገሊፁ።

ሎሚ መዓልቲ ድሕሪ ቀትሪ ሰላም እታ ከተማ ንምርባሽ ናይ ሕሶት ወረ እናጋውሑ ዝነበሩ ልኡኻት እቲ ግብረ ራዕዲ ሓሳቦም እንተይተዓወተ ተሪፉ ኢዩ ኢሎም፡፡

ምክትል ከንቲባ ከተማ ደሴ ኣይተ ሰይድ የሱፍ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ፥ ሰራዊት ምክልኻል፣ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ፣ ፋኖን ሚሊሻን ግምባር ወሎ ነቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ እናደምሰሱዎ ይርከቡ፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብታ ከተማ ሰላማዊ ምንቅስቓስ ከምትርከብ ዝገለፁ ሓላፊ መምርሒ ድሕንነትን ዋና ኢንስፔክተር ሓሰን መሓመድ፥ ሕብረተሰብ ፀጉረ ልዉጣት ብንቕሓት ንኽከታተል ፃውዒት ኣመሓላሊፎም፡፡

ናይ ሕሶት ፕሮፓጋንዳ እቲ ግብረ ራዕዲ ካብ ምውላዱ ጀሚሩ ዘሎ ብምዃኑ ሕብረተሰብ ክደናገፅ የብሉን፤ እቲ ጉጅለ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ፍፃመ ሞቱ ከምዝርከብ ገሊፆም፡፡

ብዘሩ ከፈለኝ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.