Fana: At a Speed of Life!

ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንዓወት ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ብሓባር ጠጠው ክብሉ ፀዊዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ኣብታ ከተማ ዝኽበር መበል 35 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ኣመልኪተን መልእኽ ኣመሓላሊፈን።

እተን ከንቲባ ኣብ መልእኽተን፥ ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ መበል 35 ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ብዕዉት ኩነታት ንኽዛዘም ብሓባር ጠጠው ክብሉ ፃውዒት ኣቕሪበን።

ኣዲስ ኣበባ መዲና ኣፍሪካውያን፣ ማእኸል ዲፕሎማሲ ዓለምን ኣርማ ህብረ ብሄራውነትን ከምዝኾነት እውን ገሊፀን፡፡

“መላእ ነበርቲ እታ ከተማ ብኣፍሪካውነትና እናኾራዕና ንዕዉትነት ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ብሓባር ጠጠው ንበል” ክብላ ገሊፀን፡፡

እቲ ጉባኤ ንከተማ ኣዲስ ኣበባ ይኹን ንኢትዮጵያ ብዙሕ ትርጉም ዘለዎ ከምዝኾነ እተን ከንቲባ ኣብ መልእኽተን ኣገንዚበን፡፡

እቲ ጉባኤ ብድሙቕ ኩነታት ተኻይዱ ብሰላም ንኽዛዘም ኣድላዪ ቅድመ ምድላው ከምዝተገበረ እውን ኣብሪሀን፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.