Fana: At a Speed of Life!

ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ክፍለ ከተማ ልደታ ህንፀት በዓል 5 ደብሪ መንበሪ ህንፃ ኣጀሚረን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ክፍለ ከተማ ልደታ ብተለምዶ ጌጃ እናተብሃለ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ ህንፀት በዓል 5 ደብሪ መንበሪ ህንፃ ኣጀሚረን።

እተን ከንቲባ ህንፀት ኣብ ዘጀመራሉ እዋን፥ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ፀገም መንበሪ ኣባይቲ ንምፍታሕን ነነበርቲ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን እፎይታ ንመሃብ ብትኹት እናተሰርሐ ምዃኑ ተዛሪበን።

“ካብ ኩሉ ንላዕሊ ነባሪ እቲ ከባቢ ካብ መጀመርታ መዓልቲ ጀሚሩ እንኳዕ ልምዓት መፅልና ዝብል ምላሽ ካብ ዝረአናሎም ከባቢታት ሓደ ስለዝኾነ፥ ሙሉእ ብሙሉእ ሞዴል ገይሩ ንምውፃእ ማእኸል ምገባ፣ መንበሪ ኣባይቲ፣ መስርሒ ቦታ፣ ሕርሻ ከተማን ሓፈሻዊ ስራሕቲን ተሳሊጡ እናተኻየደ ይርከብ” ኢለን፡፡

ሰብ ሃፍቲ ተሞክሮ ፋውንዴሽን ብዙኣየሁ ታደለ ብምውሳድ ንኸባቢኦም ዝኽእሉዎ ንኽገብሩ ፃውዒት ምቕራበን ካብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.