Fana: At a Speed of Life!

ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ክ/ከተማ ልደታ ህንፀት መንበሪ ገዛ ኣጀሚረን

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ክ/ከተማ ልደታ ልዕሊ 300 ክፍሊታት ዝሕዝ በዓል ትሽዓተ ደብሪ ህንፀት መንበሪ ገዛ ኣጀሚረን።

እተን ከንቲባ ህንፀት ኣብ ዘጀመራሉ እዋን÷ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ፀገም መንበሪ ገዛ ንምፍታሕ ብዕቱብ እናተሰርሐ ምዃኑ ኣብሪሀን።

ህንፀት እቲ መንበሪ ገዛ ንልምዓት ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ዝተልዓሉ ዜጋታትን ብልምዓት ንዝለዓሉ ዜጋታትን ዝውዕል ከምዝኾነ ብምሕባር÷ ሀንፀቱ እንትዛዘም ምስሊ እታ ከተማ ፅባቐ ካብ ምልባስ ሓሊፉ ህይወት ዜጋታት ዘዝምን ከምዝኾነ ገሊፀን፡፡

ኣብ ሓፂር እዋን ህንፀቱ ከምዝዛዘም እውን ኣፍሊጠን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.