Fana: At a Speed of Life!

ከይዲ ህንፀትን ተሳትፎ ህዝቢን ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝዝክር ሙዚየም ክህነፅ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ከይዲ ህንፀትን ተሳትፎ ህዝቢን ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝዝክር ሙዚየም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክህነፅ ኢዩ።

እቲ ሙዚየም ኣቢያተ መፃሕፍቲ ሓዊሱ ዝኽሪ ዝተፈላለያ ትካላት ዘካትት ከምዝኾነ ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ ቤት ፅሕፈት ብሄራዊ መተሓባበሪ ህዝባዊ ተሳትፎ ግድብ ህዳሰ ኣይተ ሃይሉ ኣብርሃም ተዛሪቦም።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዓቢዪ ፓርክ ግድብ ህዳሰ ንምህናፅ ርኽክብ ካርታ ተዛዚሙ ስራሕቲ ዲዛይን እናተኻየደ ከምዝርከብ ከም ኣብነት ገሊፆም።

ህንፀት እቲ ግድብ እንትዛዘም እቲ ቤት ፅሕፈት መተሓባበሪ እውን ግድኡ ስለዛዝም ኣብ ቀፃሊ ኣብ ምስናድ ታሪኽ ብምትኳር ከምዝቕፅል ኢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

ህንፀት ግድብ ህዳሰ ድሕሪ ክልተ ዓመት ሙሉእ ብሙሉእ ክዛዘም ኢዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.