Fana: At a Speed of Life!

ከይዲ ህንፀት ሃገር ዘይውዳእን ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ ብምቅብባል ዝስራሕን ኢዩ-ወ/ሮ ሙፈሪሃት ካሚል

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስቴር ሰላም ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ መዓልታት ንሕብረት ተምሃሮ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ተወከልቲ ፎረም ሰላምን ዘዳለዎ መድረኽ ስልጠናን ልዝብን ሎሚ መዓልቲ ተዛዚሙ።

ኣብ መዕፀዊ እቲ መድረኽ ዝተረኸባ ሚኒስትር ሰላም ወይዘሮ ሙፈሪሃት ካሚል፥ ዘለወን ተመክሮ ህይወትን ልምዲን ነቶም ተምሃሮ ኣመሓላሊፈን።

እተን ሚኒስትር ሃገር ኣብ ልቦና ዜጋታት ከምእትህነፅ ብምግላፅ፥ ከይዲ ህንፀት ሃገር ዘይውዳእን ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ ብምቅብባል ዝስራሕን ኢዩ ኢለን።

“ዩንቨርስቲታት ፍልጠት ዝውሕዘሎም ቦታታት ኢዮም” ዝበላ ወይዘሮ ሙፈሪሃት፥ ተምሃሮ ፀገማት እንተጋጥምዎም ደው ኢሎም ብምሕሳብ ብዘተን ብድርድርን ናይ ምፍታሕ ባህሊ ከማዕብሉ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲበን።

“መሪፅና ብዘይተወለድናሉ ብሄርን ማንነትን ክንባላዕ ኣይብዕልናን፤ መበገሲ ፀገም ዘይምፍላጥ ብምዃኑ ተምሃሮ ባዕሎም ንባዕሎም ክፋለጡ ይግባእ” እውን ኢለን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.