Fana: At a Speed of Life!

ከይዲ ድህረ-ፍርያት እንሰት ምዝማን ዘኽእሉ ቴከኖሎጂታት ናይ ምምዕባል ስራሕ ከምዝተጀመረ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ከይዲ ድህረ-ፍርያት ተኽሊ እንሰት ዘቀላጥፍን ኣብ ከይዲ ምፍራይ ዝህሉ ፅዕንቶ ስራሕ ዝፈትሑ ቴከኖሎጂታት ናብ ስራሕ እናእተወ ምዃኑ ዩኒቨርሲቲ ኣርባ ምንጭ ገሊፁ።

ከይዲ ድህረ-ፍርያት ተኽሊ እንሰት ንምዝማን ዘኽእል ዓለም ለኸ ዓውደ መፅናዕቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣርባ ምንጭ ተኻይዱ።

ፕሬዚዳንት እቲ ዩኒቨርሲቲ ዳምጠው ዳርዛ (ዶ/ር)÷ ከይዲ ድህረ-ፍርያት ተኽሊ እንሰት ዘቀላጥፍን ኣብ ከይዲ ምፍራይ ዝህሉ ፅዕንቶ ስራሕ ዝፈትሑ ቴከኖሎጂታት ንብ ስራሕ ንምእታው ምድላው እናተገበረ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ካብዚ ሓሊፉ መመገቢ እንስሳት ብምድንፋዕ ኣብ ምውሳኽ ፍርያት እንሰት እታወት ብምውሳኽ ከም ኩኪስ፣ ዳቦ፣ ኬክን ካልኦት ምግቢታትን ምስራሕ ከምዝተኽኣለ እውን ኣፍሊጦም።

እቲ ዩኒቨርሲቲ ተኽሊ እንሰት ንምስፋሕ ኢሉ እውን ከይዲ ድህረ ምፍራይ ንምዝማን ምስ ዝተፈላለዩ ናይ ውሽጢ ሃገርን ዓለም ለኸ ትካላትን ብምትሕብባር ስራሕ ከምዝጀመረ ምሕባሮም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.