Fana: At a Speed of Life!

ከይዲ ፈተና 12 ክፍሊ ብዓወት ንኽዛዘም ኩሉ ሓላፍነቱ ንኽዋፃእ ሚኒስቴር ትምህርቲ ፀዊዑ

አዲስ አበባ፣ የካቲት 19፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ከይዲ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ብዓወት ንኽዛዘም ኩሉ ሓላፍነቱ ንኽዋፃእ ሚኒስቴር ትምህርቲ ፀዊዑ።

እቲ ሚኒስቴር ዝርገሐ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ 2012 ዓ.ም ኣመልኪቱ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ተዛቲዩ

ኣብቲ ዘተ ዝተረኸቡ ሚኒስትር ትምህርቲ ዶክተር ኢንጂነር ጌታሁን መኩሪያ፥ ፈተና 12 ክፍሊ ብመሰረት ዝተቐመጠሉ ግዘ ሰሌዳ ንኽሳለጥ ኩሉ ሰብ ሓላፍነቱ ክዋፃእ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

እቲ ሚኒስቴር፥ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ኣብ ዝተተሓዘሉ እዋን ንመሃብን ንምዝዛምን ኣድላዪ ምድላው ከምዝገበረ እውን ኣፍሊጦም።

ዋና ዳይሬክተር ኤጀንሲ ሃገር ለኸ ምዘና ትምህርቲን ፈተናታትን ዶክተር ዲላሞ ኦተሬ ብግደኦም፥ እቲ ፈተና ኣብ ዝተተሓዘሉ ግዘ ሰሌዳ ንኽወሃብ ብልዑል ጥንቃቐን ውዳበን እናተሰርሐ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።፡፡

ካብ 21 ክሳብ 26 ለካቲት 2013 ዓ.ም ናውቲ መፈተኒ ናይ ምክፍፋል ስራሕቲ ከምዝዛዘም ኣብቲ ዘተ ተገሊፁ።

ስለዝኾነ ድማ እቲ ፈተና ብዝድለ ኣግባብ ንኽዛዘም ዝምልከቶም ኣካላት ፀፅታ፣ ማሕበረሰብ ትምህርቲን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ተዋዲዶም ዝጀመሩዎ ተግባር ኣጠናኺሮም ንኽቕፅሉ ዶክተር ጌታሁን ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡

ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ 2012 ዓ.ም ካብ 29 ለካቲት ጀሚሩ ከምዝወሃብ ምግላፁ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.