Fana: At a Speed of Life!

ኩለን ኣቢያተ እምነት ብሓደ ድምፂ ንሰለስተ ደቒቕ ኣዋጅ ምስጋና ከካይዳ ኢየን – ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ኩለን ኣቢያተ እምነት ብሓደ ድምፂ ንሰለስተ ደቒቕ ኣዋጅ ምስጋና ከምዘካይዳ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ላዕለዋይ ፀሓፊ እቲ ጉባኤ ሊቀ ትጉሃን ቀሺ ታጋይ ታደለ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ እቲ መርሃ ግብሪ “ኢትዮጵያ ተመስግን” ብዝብል ዘቕረቡዎ ሃገራዊ ፃውዒት ቀዳማይ ሚኒትር ስዒቡ ዝተዳለወ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

እቲ መርሃ ግብሪ ከከም እተን ኣቢያተ እምነት ኣስተምህሮ ምስጋና ዝካየድ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።

ብመሰረት እዚ ድሕሪ ፅባሕ ዓርቢ ኣብ መላእ ሃገር ዝርከቡ ተኸተልቲ እምነት እስልምና ድሕሪ ስግደት ጁምዓ ንሰለስተ ደቒቕ ፀሎት ምስጋና ከካይዱ ኢዮም ኢሎም።

ቀዳማ ድማ ተኸተልቲ እምነት ኣድቬንቲስት እቲ ተግባር ከምዘሳልጡ ኣብሪሆም።

ሰንበት ተኸተትለቲ እምነት ኦርቶዶክስን ካቶሊክን ከምኡአ ውን እምነት ፕሮቴስታንት ድሕሪ መርሃ ግብሪ ስርዓተ ቅዳሰን ኣምልኾን ንፈጣሪ ምስጋና ንኸቕርባ መልእኽቲ ተመሓላሊፉ ክብሉ ኣፍሊጦም።

ስለዝኾነ ድማ እተን ኣቢያተ እምነት ነቲ መርሃ ግብሪ ንኸፈፅማ ፃውዒት ቀሪቡ።

ብሃይማኖት ኢያሱ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.