Fana: At a Speed of Life!

ኩባንያታት ህንዲ ኣብ ኣማራፂ ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ንኽሳተፉ ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኩባንያታት ህንዲ ኣብ ኣማራፂ ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ንኽሳተፉ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ህንዲ ደመቀ ኣጥናፉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ኣብ ህንዲ ከተማ ሙምባይ ቤት ምኽሪ ዘፈር ማሕበራትን ንግዲን እስያ ኣፍሪካ ዘሰናደኦ ሻድሻይ ዓለም ለኸ ፎረም ኣመራርሓ ንግዲ ተኻይዱ፡፡

እቶም ኣምባሳደር ኣብቲ ፎረም ከምዝገለፁዎ÷ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዓውዲታት ሕርሻ፣ መፍረዪ፣ መዓድን፣ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂን ቱሪዝምን ቅድሚት ዝወሃቦም ዓውዲታት ኢንቨስትመንት ኢዮም፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ብኢንቨስትመንት ካብ ዝተዋፈሩ ኩባንያታት፤ ኩባያታት ህንዲ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ከምዝርከቡ ምግላፁ ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.