Fana: At a Speed of Life!

ኩባንያ ማክተር ኣብ ኢትዮጵያ ኢንቨሰት ምግባር ባህጊ ከምዘለዎ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ማክተር ዝተብሃለ ኩባንያ ፓኪስታን ኣብ ፓርኪ ኢንዱስትሪ ቂሊንጦ ብዓውዲ  ፋርማሲዩቲካል ኢንቨሰት ምግባር ባህጊ ከምዘለዎ ገሊፁ።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኣክሊሉ ታደሰ ምስ ፕሬዚዳንት ኩባንያ ማክተር ዶክተር ሻህናዋዝ ሳጂድ ዘቲዮም።

ኣብቲ ዘተ፥ መንግስቲ ንዓውዲ ፋርማሲዩቲካል ዝሃበ ጠመተ፣ እቲ ኮርፖሬሽን ዘቕረቦም ብዙሓት መተባባዕቲን ዘሎ ዝተማልአ መሰረተ ልምዓትን ኣረዲኦም።

ዶ/ር ሻህናዋዝ ሳጂድ፥ መሰረተ ልምዓትን እዋናዊ ምንቅስቓስ ፍሪያት ፓርኪ ኢንዱስትሪ ቂሊንጦ ርእዮም።

ማክተር ኢንተርናሽናል መቐመጢኡ ኣብ ፓኪስታን አንትኸውን፥ ልዕሊ 40 ዓመታት ለምዲ ዘለዎ ግዙፍ ኩባኒያ ፋርማሲዩቲካል ከምዝኾነ ተገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.