Fana: At a Speed of Life!

ኩባንያ ፓዎር ኢንተርናሽናል ሆልዲንግ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ንምውፋር ድሌት ከምዘለዎ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብኣተሓባበራይነት ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ዶሃ ኣብ ኳታር ዝርከብ ኩባንያ ፓዎር ኢንተርናሽናል ሆልዲንግን ምስቲ ትካል ተቐራራቢ ዘፈራት ዝተዋፈሩ ቤት ዕዮታት ቅድመ ኢንቨስትመንት ኣኼባ ተኻይዱ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ንምውፋር ድሌት ከምዘለዎ ገሊፁ።

እቲ ኩባኒያ ምስ ዝተዋፈረሎም ዓውዲታት ተተሓሒዙ መንግስቲ ምስ ሰብ ሃፍቲ ብምውዳድ ክሰርሕ ካብ ሞንጎ ዝኽእለሎም ዘፈራት ብመሰረተ ልምዓታት ባቡር፣ ኣቪየሽን፣ ከተማ ሎጂስቲክስ፣ ልምዓት ወደብ፣ ዲጂታል ኣገልግሎት ትራንስፖርትን ልምዓት መገዲን ዘለዉ ዕድላት ኢንቨስትመንት ዘድሃበ ገለፃ ተገይሩ፡፡

ምክትል ኣቦ መንበር እቲ ኩባኒያ ራሜዝ ኣልክሃያት፥ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘፈር ሕርሻ፣ መሰረተ ልምዓት፣ ኣብ ልምዓት ተመጣጣኒ ዋጋ መንበሪ ኣባይቲ ከምኡ እውን ኣብ ዘፈር ቱሪዝም ንምውፋር ድሌት ከምዘለዎም ገሊፆም፡፡

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ብምግባር ኣማራፂታት ኢንቨስትመንት ንምርኣይ ትልሚ ከምዘለዎም እውን ገሊፆም፡፡

በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኳታር ሳሚያ ዘካሪያ ብግደኦም፥ እቲ ኩባኒያ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ገይሩ ናብ ስራሕ ንኸኣቱ እቲ ኤምባሲ ሓገዝ ከምዝገብር ምግላፆም ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቓል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.