Fana: At a Speed of Life!

ካልኣይ ምዕራፍ ፓርክ ሸገር ሎሚ መዓልቲ ተመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ካልኣይ ምዕራፍ ፓርክ ሸገር ብ50 ፅምዲታት ስነ-ስርዓት መርዓ ተዐጂቡ ሎሚ መዓልቲ ተመሪቑ፡፡

ኣካል ፕሮጀክት ምፅባቐ ሸገር ዝኾነ ካልኣይ ምዕራፍ ፕሮጀክት ሎሚ ተመሪቑ ንህዝቢ ክፍቲ ክኸውን እዩ።

ኣዲስ ኣበባ ንናብራ ምችውቲን ንሽማ ዝምጥን ምስሊ ንኽህልዋ ተሓሲቡ እናተሰርሐ ዝፀንሐ ካልኣይ ምዕራፍ ፕሮጀክት ሸገር ምዝዛሙ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ምግላፁ ይፍለጥ።

እቲ ፕሮጀክት ብዓወት ምዝዛሙ ስዒቡ፥ ነቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ፍሉይ ሀያብ ከምዝተሰናደአ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣፍሊጡ።

ምስዚ ተተሓሒዙ ኦቲ ቤት ፅሕፈት፥ መርዓኦም ንምፍፃም ዝተሰናድኡ ወይ እውን ሓሲቦም እንተይተሳኸዐሎም ዝፀንሑ 50 ፅምዲታት፤ ብመለክዒ መሪፁ ስነ-ስርዓት መርዐኦም ከምዝፍፅሙ ተሓቢሩ።

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተሃነፀ ካልኣይ ምዕራፍ ፕሮጀክት ፓርክ ሸገር፥ ዝተፈላለዩ መዘናግዒ ህፃናት፣ ማእከል ስፖርትን ማእኸል ኪነጥበብ ዝሓዘ እዩ።

ብተወሳኺ ዝተፈላለዩ ምድላዋት ዝዳለውሉ ዘመናዊ ኣዳራሽን ማእኸላትን ዝሓዘ ኢዩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.