Fana: At a Speed of Life!

ካልኣይ ዓውደ ርእይ ስራሕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኤግዚቢሽንን ባዛርን ተኸፊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰራሕተኛን ኣስራሒን ዘራኽብ ካልኣይ ዓውደ ርእይ ስራሕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኤግዚቢሽንን ባዛርን ተኸፊቱ።

እቲ ዓውደ ምርኢት መላ ኤቨንት ምስ ቢሮ ልምዓት ኢንተርፕራይዝ ስራሕን ኢዱስትሪን ኣዲስ ኣበባን ካልኦት መዳርግቲ ኣካትን ብምውዳድ ዝተሰናደአ ኢዩ፡፡

ሚኒትር ዲኤታ ስራሕን ክእለትን ኣይተ ንጉሱ ጥላሁን ነቲ ዓውደ ርእይ መሪቖም ኣብ ዝኸፈቱሉ እዋን ከምዝገለፁዎ፥ ዜጋታት ኣፍረይቲ ኮይኖም ተስፋ ሃገር ንኽኾኑ ኣብ ምግባር እቲ ዓውደ ርኢይ ዘለዎ ረብሓ ዕዙዝ ኢዩ፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዘሎ ልዑል ፀገም ስእነት ስራሕ ብመንግስቲ ጥራሕ ንምፍታሕ ስለዘኸብድ ውልቀ ትካላት ትካላት ምስ ትካላት መንግስቲ ብሓባር ክሰርሑ ከምዝግባእ ተዛሪቦም፡፡

ኣብቲ ዓውደ ምርኢት ልዕሊ 50 ትካላት፣ ትካላት ፋይናንስን ሕጋዊ ኣፍልጦ ዘለዎም ኤጀንሲታትን ዝተሳተፉ እንትኾኑ፥ ኣናእሽቲን ማእኸለዎትን ክእለት ትምህርቲ ዘለዎም ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይን ተረባሕቲ ንምግባር ዝዓለመ ከምዝኾ ተሓቢሩ፡፡

ንክልተ መዓልቲ ኣብ ዝፀንሕ ዓውደ ምርኢት ልዕሊ 15 ሺሕ ደለይቲ ስራሕ ከምዝጉብንዩዎ ትፅቢት ይግበር፡፡

ብሃይማኖት ኢያሱ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.