Fana: At a Speed of Life!

ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ኣብ ባህጊ ግብፂ ፅዕንቶ ኣይብሉን-ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ግብፂ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ግንቦት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ኣብ ባህጊ ግብፂ ፅዕንቶ ከምዘይህልዎ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ግብፂ ሳሜህ ሹክሪ ገሊፆም።

ግብፂ ኣብ ኣብ ግድብ ኣስዋን ዘለዋ ዕቑር ማይ ምትእምማን ከምዝፈጠረላ እቶም ሚኒስትር ተዛሪቦም።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ግብፂ ሳሜህ ሹክሪ፥ “ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ኣብ ባህጊ ግብፂ ፅዕንቶ ከምዘይህልዎ ንተኣማመን ኢና” እውን ኢሎም።

ኢትዮጵያ ቀዳማይ ዙር ምምላእ ማይ ቅድሚ ምፍፃማ ኣትሒዙ እቲ ምምላእ ማይ ሕፅረት ማይ ንክፍጠር ዝገብር ኢዩ እታ ሃገር ብዝብል ነቲ ከይዲ ክትቃወም ምፅንሓ ይፍለጥ።

ሐዚ አወን እንተኾነ ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ቅድሚ ምፍፃሙ ብዝተፈላለዩ መገዲታትን ዘተታትን ተመሳሰልቲ ቅርታታት ክተልዕል ከምዝፀንሐት ይዝከር።

ግብፂ ኢንዲፔንዳንት ከምዝፀብፀቦ፥ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ግብፂ ሳሜህ ሹክሪ ምስ ሓደ ጣቢያ ቴሌቪዥን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት ብሕብረት ኣፍሪካ ምስ ዝምራሕ ሰለስቲኣዊ ዘተን ካልኦት ዛዕባታትን ዝዛመዱ ዛዕባታት ተዛሪቦም ኢዮም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.