Fana: At a Speed of Life!

ካቢኔ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ካቢኔ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘሳለጦ ስሩዕ ኣኼባ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ኣመሓላሊፉ።

ናይቲ ምምሕዳር ኣፈፃሚ ኣካል ኣብ 2015 ዓ.ም ዓመታዊ ገምጋም ስራሕ ዝሓሸ ኣገልግሎት ንምሃብ ሪፎርም ምግባር ዘድሊዮም ትካላትን ኣወዳድባታትን ብምፍላይ ናይ መመሓየሺ መፅናዕቲ ንክግበር ኣንፈታት ምቕማጡ ይዝከር።

ብመሰረት እዚ፦

  1. ብብርኪ ማእኸል ዝረአ ናይ ሰራሕተኛ ቁፅሪ እታ ከተማ ካብ ዘለዋ ኣታዊን ንሕብረተሰብ ካብ ዝወሃብ ኣገልግሎትን መንፅር ዘይመጣጠን ብምዃኑ እቲ ሰራሕተኛ ልዑል ፅዕንቶ ናብ ዘለዎም ወረዳታትን ትካላትን ንክውዛዕ፤ ነዚ ድማ እተን ትካላት ሙያዊን ተደላዪን ክእለት ተሓሳቢ ብምግባር ንከተግብራ
  2. ብመንግስቲ ካብ ዝስራሕ ንሳልሳይ ወገን ወፃኢ “ኣውት ሶርስ” ብምግባር እንተተሰሪሖምን ኣድላዪ ውፅኢት ከምፅኡ ኢዮም ብምባል ብመፅናዕቲ ኣብ ዝተፈለዩ ኣገልግሎታት ብሳልሳይ ወገን ንክስርሑን እቲ ከይዲ ብዝምልከት እኹል ቅድመ ምድላው ንክገብሩ ከምኡውን ፀገማት ምምሕዳር ንከየጋጥሙ ትልሚ ከይዲ ሽግግር ተዳሊዩ ብስነ ምግባር ስራሕ ንክምራሕ

ከምኡውን ኣብቲ ዝተጣየሸ ኮሚቴ ሙያተኛታት መፅናዕቲ ተገይሩሎም ተመሊሶም ሪፎርም ንክግበሩን ብሓዱሽ መልክዕ ንክውደቡን ዝተገበሩ ትካላት መፅናዕቲ፣ ከይዲ ኣሰራርሓን ኣወዳድባን ኩነታት ቀሪቡ ዘተ ተገይሩሉ።

እቲ ዝቐረበ መመሓየሺ ሓሳብ ብምርኣይን ብምምርማርን ንቤት ምኽሪ ንክቐርብ ውሳነ ከምዝተመሓላለፈ ከንቲባ ኣዳነች ኣበቤ ሰኣብ ማሕበራዊ ሚዲየአን ኣብ ዘመሓላለፍኡ መልእኽቲ ገሊፀን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.