Fana: At a Speed of Life!

ካባና ወፃኢ ዘሎ ፅለኣት ቅድሚ ምስዓርና ኣብ ውሽጥና ዘሎ ቂምን በቐልን ክነውግድ ይግባእ – ቀ/ሚ ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 04 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ደቡብ አፍሪካ ዕላዊ ዑደት ስራሕ እናገበሩ ዝርከቡ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ትማሊ ኣብ ከተማ ጆሃንስበርግ ስታዲየም ኢምፔሪያል ዎንደረርስ ተረኺቦም ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ኢትዮጵያውያን መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ መልእኽቶም፥ ብዛዕባ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ኣድሂቦም ምስ ፕዚዳንት እታ ሃገር ሲሪል ራማፎሳ ምዝታዮም ገሊፆም።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን፥ ኩለመዳይ መሰሎም ተሓሊዩሎም ንኽነብሩ ሕጋዊ ፍቓድ ንክወሃቦም ነቶም ፕሬዚዳንት ዘቕረቡሎም ሕቶ ተቐባልነት ምርካቡ እውን ኣብ መልእኽቶም ሓቢሮም።

ብተወሳኺ፥ ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ዜጋታት ኢትዮጵያ ዝበፅሖም ፀገም ንምፍታሕ መንግስቲ እታ ሃገር ተስፋ ዝህብ መልሲ ምሃቡ ገሊፆም።

ብመሰረት እዚ ድማ፥ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪካ ብቤተ ዕዮ ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገር ኣቢሉ ኮሚቴ ብምጥያሽ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያውያን ንዝበፅሕ ዝኾነ ይኹን ፀገም ብምፅራይ ስጉምቲ ከምዝወስድ ቃል ኣትዩ ኢዩ ኢሎም።

ካብዚ ብተወሳኺ ተወከልቲ ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ብኣተሓባባሪነት ኣብታ ሃገር ዘሎ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ምስ ፕሬዚዳንት ሲሪል ራማፎሳ ብዝተፈላለዩ ዛዕባታት ንኽዛተዩ ቆፀሮ ከምዝተትሓዘ ገሊፆም።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ዘጣየሹዋ ማሕበር ዲያስፖራታት፥ ኣብ ሓድነት ዜጋታት፣ ኣብ ምትሕስሳብን ምትሕብባር ትሰርሖ ዘላ ተግባር ብምንኣድ፤ ኣብ ካልኦት ሃገራት ንዝነብሩ ዲያስፖራታት ተምሳሌት ከም ትኸውን እውን ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ መልእኸቶም፥ ዜጋታት ኢትዮጵያ ዘርኣውነት ብቅዋም ብሓድነትን ብምትሕስሳብን ኣብ ዕቤት ሃገሮም ኣስተዋፅኦ ንኸበርክቱ ፀዊዖም።

“ካባና ወፃኢ ዘሎ ፅለኣት ቅድሚ ምስዓርና ኣብ ውሽጥና ዘሎ ቂምን በቐልን ክነውግድ ይግባእ” ክብሉ እውን ኣተሓሳሲቦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.