Fana: At a Speed of Life!

ካብ ሃገር ንኽወፅኡ ኣብ ዝተኣዘዙ ዜጋታት ወፃኢ ዝተወሰደ ስጉምቲ ሕጋዊነት ንምዕሳል ዝተወሰነ፤ ንካኻልኦት እውን ትምህርቲ ዝህብ ኢዩ – ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዓለም ለኸ ትካላት ዝሰርሑን ካብ ዝተዋፈሩሉ ዕላማ ወፃእ ረብሓ ኢትዮጵያ ኣብ ዝጎድእ ተግባር ተዋፊሮም ዝተረኸቡን ሸውዓት ዜጋታት ወፃኢ ዝተወሰደ ስጉምቲ ሕጋዊነት ንምዕሳል ዝተወሰነ፤ ንካኻልኦት እውን ትምህርቲ ዝህብ ከምዝኾ ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ገሊፆም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዩኒሴፍ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ቤት ፅፍፈታት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝሰርሑ ሸውዓተ ዜጋታት ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ካብ ሃገር ንኅወፅኡ ምእዛዙ ስዒቡ ንትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ መብርሂ ዘሃቡ እቶም ኣቐባሊ ቃል፥ እቶም ውልቀ ሰባት ካብ ሃገር ንኅወፅኡ ዝተኣዘዙ ካብ ዝተውሃቦም ሓላፍነት ወፃእ እናተንቀሳቐሱን ኣብ ዘይሕጋዊ ተግባር ተዋፊሮም ብምርካቦምን ኢዩ፡፡

እዚ ድማ ሕጋዊነት ንምዕሳል ዝተወሰደ ስጉምቲ ከምዝኾነን ንኻልኦት እውን ትምህርቲ ከምዝህብን ገሊፆም፡፡

“ዝኾነ ይኹን ዓለም ለኸ ትካል ይኹን ውልቀ ሰብ ካብ ዝተውሃቦ ፍቓድ ወፃእ እናተንቀሳቐሰ እንተተረኺቡ፥ ተግባሩ ዘሕጋዊ ኢዩ፤ ኣብቶም ካብ ሃገር ንኅወፅኡ ዝተወሰደ ውሳነ እውን እዚ ኢዩ” ክብሉ ኣብሪሆም፡፡

“ገሊኡ ንስራሕቲ ሕክምናን ኣገልግሎት ጥዕናን ይመፅእ እሞ፣ ጥዕና ኣብ ዘዛብዑን ሰላም ሕብረተሰብ ኣብ ዝህውኹን ተግባራት ይዋፈር፤ ንኳቲ ማይ ይመፅ እሞ ሃገር እናኮዓተ ይውዕል፤ እዚ ድማ ኣብ ዝኾነ ይኹን ሃገር ኣይፍቀድን” ኢሎም ኣንባሳደር ዲና።

መንግስቲ ነዞም ሓይሊታት ደው ከብሉ ናይ ምግባር ሓላፍነት ዘለዎ ስለዝኾነ፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ መሰረት ብምግባር ስጉምቲ ከምዝወሰደ ገሊፆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.