Fana: At a Speed of Life!

ካብ መቕደላ ዝተወሰዱ ታሪኻዊ ቅርስታትን ጨጉሪ ልኡል ኣለማየሁ ቴዎድሮስን ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሰራዊት እንግሊዝ ካብ መቕደላ ዝተወሰዱ ታሪኻዊ ቅርስታትን ጨጉሪ ልኡል ኣለማየሁ ቴዎድሮስን ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሶም።

እቶም ቅርስታት ዋንጫታት ቅባእ ብሩር፣ ሓደ ቀርኒ ዋንጫ፣ ሰታሪታትን ሓደ ዋልታን እንትኾኑ፥ ካብ ኢንግሊዝ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝተመለሱ ተገሊፁ።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ አንግሊዝ ተፈሪ መለሰ ነቶም ቅርስታት ብምሓዝ ከምዝተመለሱ ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እቶም ቅርስታት ምምልስ ምኽኣል ንኢትዮጵያ ዲፕሎማሲያዊ ዓወት ከምዝኾነ ኣምባሳደር ተፈሪ ተዛሪቦም።

መንግስቲ ተዘሪፎም ዝተወሰዱ ቅርስታት ኢትዮጵያ ናይ ምምላስ ፃዕሩ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.