Fana: At a Speed of Life!

ካብ መጋለን ያሎን ዝተበገሰ ዕስለ ኣንበጣ ካብ 13 መስከረም ጀሚሩ ናብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ብስፍሓት ይኣትው ከምዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መስከረም፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣብ ካልኣይ ሰሙን ወርሒ ነሓሰ 2012ዓ.ም ዝጀመረ ዕስለ ኣንበጣ ንምምካት ብፍላይ ኣብ ወረዳታት ራያ ዓዘቦን ራያ ጨርጨርን ፅዕፁዕ ፃዕሪ ይግበር ከምዘሎ ዋና ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም ኣፍሊጦም።

እቶም ዋና ኣመሓዳሪ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም ከምዝበልዎ፥ እቲ ዕስለ ኣንበጣ ብዘይካ ኣብ ፈለማ እዋን ኣብ ልዕሊ ብቁልቲ ጣፍ ዝበፅሐ ዝተወሰነ ጉድኣት ኣብ ልዕሊ ዝራእቲ ዓብይ ጉድኣት ከየብፅሕ ተገይሩ ኢዩ።

ይኹን እንበር ብፍላይ ካብ 13 መስከረም 2013ዓ.ም ጀሚሩ ካብ ክልል ዓፋር ከባቢታት መጋለን ያሎን ኣዝዩ ከቢድ ዝብሃል ዕስለ አንበጣ ናብተን ወረዳታት ብስፍሓት እናኣተወ ከምዝርከብ ሓቢሮም።

ንቐፃሊ እውን ብዝበለፀ እናኸበደ ናይ ምኻድ ዕድሉ ሰፊሕ እዩ ኢዩ ዝበሉ እቶም ዋና ኣመሓዳሪ፥ ሰብ ሞያ ቢሮ ሕርሻ፣ ኣመራርሓ ዞባ፣ ወረዳታትን ጣብያታት ምስ ህዝሪ ብምዃን ኣብ ዘራእቲ ጉድኣት ከየብፅሕ ንምግባር ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።

“እቲ መኸተ ብዝበለፀ ዕውት ንምግባር ከዓ ኩሉ ከከም ዓቕሙ ከምዝሳተፍን ኣስተዋፅኦ ከምዝገብርን እምነትና እዩ” ክብሉ አገንዚቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.