Fana: At a Speed of Life!

ካብ ሰሜን ወሎን ከባቢኡን ብግብረ ራዕዳዊ ህወሓት ዝተመዛበሉ ወገናት ናብ ከባቢኦም ይምለሱ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ዞባ ሰሜን ወሎን ከባቢኡን ብግብረ ራዕዳዊ ህወሓት ዝተመዛበሉ ወገናት ናብ ከባቢኦም እናተመለሱ ምዃኖም ተገሊፁ።

ካብ ኣላማጣ፣ ቆቦ፣ ዋጃ፣ ባላን፣ ካልኦት ከባቢታትን፤ ብግብረ ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ተመዛቢሎም ኣብ መዕቆቢ መዓስከር ጃራ ዝነበሩ፤ 30 ሽሕን 400ን ዜጋታት ናብ ከባቢኦም ክምለሱ ጀሚሮም።

ሃብቶምን፣ ንብረቶምን በቲ ግብረ ራዕዳዊ ጉጅለ ብምጉሓሉ÷ መንግስቲ ቐፃልነት ዘለዎ  ድጋፍ ንኽገብረሎም እውን ሓቲቶም።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ምክልኻል ሓደጋን፣ ድሕንነት ምግብን ዞባ ሰሜን ወሎ ኣይተ ኣለሙ ይመር÷ ተመዛበልቲ መሊስካ ንምጥያሽ ካብ ትካላት ረድኤት ሓገዝ ከምዝተሓተተ ገሊፆም።

መንግስቲ ክልል ኣምሓራ፤ ሰላም እቲ ከባቢ ንምሕላው ኣብ ስራሕቲ ምሕዳስ ብንጥፈት ይሰርሕ ከምዘሎ ካብ ኮሚኒኬሽን ዞባ ሰሜን ወሎ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.