Fana: At a Speed of Life!

ካብ ባህር ዳር – ጋሸና – ኣላማጣ ዝተዘርገሐ መስመር ብምብጣሱ ሓይሊ ተቛሪፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ባህር ዳር – ደብረታቦር – ንፋስ መውጫ – ጋሸና – ኣላማጣ ኣብ ዝተዘርገሐ በዓል 230 ኪሎ ቮልት ላዕለዋይ መመሓላለፊ ሓይሊ መስመር ብምብጣሱ ኣብቶም ከባቢታት ሓይሊ ተቛሪፁ።

ኣብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ዳይሬክትር መምርሒ ሰሜን ምዕራብ ሪጅን ዘፈር ኦፕሬሽን መመሓላለፊ መስመራትን መከፋሊ ጣቢያታትን ውበት ኣቤ ከምዝሓሩዎ÷ ሎሚ ረፋድ ካብ 4፡30 ጀሚሩ ኣብ ከባቢ ንፋስ መውጫ ሓደ ፌዝ እቲ መመሓላለፊ መስመር ብምብታኹ ካብ ንፋስ መስጫ – ጋሸና- ኣላማጣ – መኾኒ- መቐለ ዝካየድ መስመር ሓይሊ ተቛሪፁ፡፡

ዝብፅሐ ጉዳኣት ብቕልጡፍ ብምፅጋን ግልጋሎት ንምምላስ ምንቅስቓስ ከምዝተጀመረ ምግላፆም ካብ ሓይሊ  ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.