Fana: At a Speed of Life!

ካብ ቫይረስ ኮሮና ዝሓወዩ ቀዳማይ ሚኒስተር እንግሊዝ ቦሪስ ጆንሰን ስረሖም ብዕሊ ጀሚሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር እንግሊዝ ቦሪስ ጆንሰን ካብ ቫይረስ ኮሮና ስለዝሓወዩ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ሎሚ መዓልቲ ስረሖም ብዕሊ ጀሚሮም።

እቲ ቫይረስ ምስተረኸቦም ኣብ ከተማ ለንደን ዝርከብ ሴንት ቶማስ ሆስፒታል ኣትዮም ንሓደ ሰሙን ጥቡቕ ሕክምናዊ ክትትል ገይሮም ምንባሮም ይዝከር።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ናብ ስረሖም እንትምለሱ ፈላማይ መግለፂኦም ሂቦም።

ኣብ መግለፂኦም ድማ እንግሊዝ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻ ኣንቢራቶ ዘላ ናይ ምንቅስቓስ ገደብ መዓዝ ከምተልዕል መንግስቲ ኣይወሰነን ክብሉ ገሊፆም።

ይኹን እምበር ሃገሮም ብምኽንያት እቲ ቫይረስ ኣብ ልዑል ፀገም ከምትርከብ ብምሕባር፥ “እቲ ማዕቐብ ብምልሕላሕ ህይወት ዜጋታት ኣብ ሓደጋ ብምእታው ዘየድሊ መስዋእቲ ኣይንኸፍልን” ኢሎም።

ክሳብ ሕዚ ኣብ እንግሊዝ ልዕሊ 152 ሺሕ ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ እንትኾኑ፥ 20 ሺሕን 700 ድማ ህይወቶም ሓሊፉ ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.