Fana: At a Speed of Life!

ካብ ናይ ውሽጢ ሃገር ታክስ 168 ነጥቢ 27 ቢሊየን ብር ኣታዊ ተኣኪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ካብ ናይ ውሽጢ ሃገር ታክስ 168 ነጥቢ 27 ቢሊየን ብር ኣታዊ ከምዝተኣከበ ሚኒስቴር እቶት ኣፍሊጡ፡፡

ኣብቲ ሚኒስተር ሚኒስትር ዴኤታ ዘፈር ስርዓት ታክስ ተስፋዬ ቱሉ ከምዝበሉዎ÷ ኣብቲ መንፈቕ ዓመት ካብ ናይ ሃገር ውሽጢ ታክስ 167 ነጥቢ 44 ቢሊየን ብር ንምእካብ ተሓሲቡ 168 ነጥቢ 27 ቢሊየን ብር ተኣኪቡ፡፡

በዚ ድማ 100 ነጥቢ 50 ሚኢታዊ እቲ ትልሚ ምዕዋት ከምዝተኽኣለ ብምሕባር÷ ምስ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን እንትነፃፀር ናይ 29 ነጥቢ 46 ቢሊየን ብር ሓለፋ ከምዘለዎ ኣልዒሎም፡፡

ኢኮኖሚ እታ ሃገር ብመንፅር ዘፈልፍሎ ኣብ ኣተኣኻኽባ ታክስ ክፍተታት ከምዘለዉ ምግላፆም እውን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.