Fana: At a Speed of Life!

ካብ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ኣድሂቡ ዝተውሃበ መግለፂ

ህዝቢ ትግራይ ህወሓት ካብ ዝፀዓኖ ኣርዑት ናፃ ንኽኸውን ሰራዊት ምክልኃል ኢትዮጵያ መስዋእቲ እናኸፈለ ይርከብ፡፡ መስዋእሪ እቲ ሰራዊት ፣ክልኻል ዝተሓሰበ ሽቶ ንኸዕውት ህዝቢ ትግራይ ዘይትካእ ግደ እናተፃወተ ይርከብ።

ንሰራዊት ምክልኻል ብምክንኻን፣ ስንቂ ብምቕባል፣ ብዛዕባ ዝተሓብኡ ተኸተልቲ እቲ ጉጅለን ኣፅርን ሓበሬታ ብመሃብ፣ መገዲ ብምምራሕን ከባቢኡ ብምሕላውን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ተሰሊፉ ኢዩ።

በዚ ድማ መንግስቲ ምስጋንኡ የቕርብ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ምስ ሰራዊት ምክልኻል ዘለዎ ምውዳድ ንህወሓት ኣደንጊፁዎ ኣሎ።

ብምዃኑ ድማ “ምስለኔታት ከመሓድሩኻ ይመፅኡ ኣለዉ” ዝብል ምድንጋር እናነዝሐ ይርከብ።

ህዝቢ ኢትዮጵያ ንህወሓት ዝተቓለሰ ምምሕደራ ምስለኔ ንኽተርፍ ኢዩ፡፡ ምሕደራ ምስለኔ ኣብ ክልላት ከምብሓዱሽ ዝዘርገሐ ህሓት ብምዃኑ፤ ህዝቢ ትግራይ ብደቁ እምበር ብዝኾነ ይኹን ኣካል ክመሓደር ኣይግባእን።

ስርዓት ፌዴራል እውን እዚ ኣይፈቅድን፡፡ ህወሓት እውን እዚ ይፈልጥ ኢዩ፡፡ የሓብኦ ኢዩ እምበር።

ስለዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ምስለኔ ቴኣተር ህወሓት፣ ብምስለኔነት ንንዝነበረ ህወሓት ገዲፉ፣ ምስ ሰራዊት ምክልኻል ዝጀመሮ ምትሕብባር ንኸጠናኽር መንግስቲ ፃውዒቱ የቕርብ።

20 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም

ኣዲስ ኣበባ

ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.