Fana: At a Speed of Life!

ሕብረተሰብ ሸሊኾም ዝኣትዉ ጉጅለ ራዕዲ ህወሓት ብምግላፅን ከባቢኡ ብንቕሓት ብምሕላውን ጠንካራ ደጀንነቱ ንክቕፅል ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕብረተሰብ ሸሊኾም ዝኣትዉ ጉጅለ ራዕዲ ህወሓት ብምግላፅን ከባቢኡ ብንቕሓት ብምሕላውን ጠንካራ ደጀንነቱ ንክቕፅል መንግስቲ ፃውዒት ኣቕሪቡ።
 
ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ከተማ ደሴ ዒላምኡ ገይሩ ዝትልሞም ብዙሓት ስራሕቲ ጥፍኣት ዝፍለጥ ኢዩ ኢሉ።
 
ሙሉእ ትሕዝቶ እቲ መግለፂ ከምዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ።
 
ኣብ ኩሎም ግንባራት ብጀግና ሰራዊት ምክልኻል ሃገር፣ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ምልሻን ከምኡውን ንህልውንኦም ብዝተሰለፉ ናይቲ ክልል መናእሰይ ዝበፅሖ ከቢድ ክሳራ ርሑቕ ከምዘየኽይዶ ግልፂ ኮይኑ ኣሎ።
 
ኣብ ልዕሊ ከተማ ደሴ ዝሓዞ ትልሚ ጥፍኣት ነዚ ሽንፈቱ ብስራሕቲ ጥፍኣት ነምሽፋን ምትላሙ የርእይ። ሕብረተሰብ እውን ናይዚ ጉጅለ ራዕዲ እኩይ ዕላማን ትልምን ብምርዳእ ሃገር ንምብትታን ተሊሙ ዝተሰአ ሓይሊ ጥፍኣት ሽርሑ ከፍሽሎ ይግባእ።
 
ስዕረት ዝጉልበብ ዘሎ እቲ ጉጅለ ራዕዲ ኣብ ደሴ ብዙሕ ሰራዊት ክህሊ ይኽእል ኢዩ ብምባል ብተወሳኺ ፋኖ ናይ ከተማ ስልቲ ውግእ ንምክያድ ክዳሎ ይኽእል ኢዩ ብዝብል ግምት ሸሊኾም ዝኣትዉ ብምጥቃም ኣብታ ከተማ ናይ መብራህቲ መስመራት ንምቑራፅን ኣብ ደሴ ኣብ ዝርከብ ሓይሊ ፀፅታ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ፅዕንቶ ንምሕዳር ምትላሙ ዘርእዩ ሓበሬታታት ወፂኦም ኣለዉ።
 
ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ይኹኑ ናይቲ ክልል ፍሉይ ሓይሊም ምልሻን ካብ ሓበሬታ ንክርሕቑ ምግባር እውን ኣብቲ ትልሙ ሒዙ ኢዩ። ስኑዕ ሓበሬታን ምስልታትን ብስፍሓት ብምውዛዕ ናይቲ ሰራዊትን ሓፈሻዊ ሞራል ሓይሊ ፀፅታን ንምድኻም የኽእሉኒ ኢዮም ብዝብል ዝሓዞም ትልሚታት ከምዘለዉ ተፈሊጡ ኣሎ።
 
ይህ የጥፋት ቡድን ሃገርን ማሸበር ዋና አላማው መሆኑን የሚያሳይ ነው። የአማራ ክልል ህዝብና መላው ኢትዮጵያውያን የሽብር ቡድኑ ህወሃት ያቀዳቸውን የማወናበጃና የህብረተሰቡን ኢኮኖሚና ማህበራዊ ተግባራት የማወክ እንቅስቃሴን ቀድሞ በመረዳት ሰርጎ ገቦችን በማጋለጥና አካባቢውን በንቃት በመጠበቅ እንደስካሁኑ ጠንካራ ደጀንነቱን አጠናክሮ እንዲቀጥል መንግስት መልእክት ያስተላልፋል።
 
እዚ ጉጅለ ጥፍኣት ሃገር ምርዓድ ቀንዲ ዕላምኡ ከምዝኾነ ዘርእይ ኢዩ። ህዝቢ ክልል ኣምሓራን መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያን ጉጅለ ራዕዲ ህወሓት ዝተለሞም ናይ መደናገሪን ኢኮኖሚያዊን ማህበራዊን ተግባራት ሕብረተሰብ ዝህውኽ ምንቅስቓስን ቀዲሙ ብምግንዛብ ሸሊኾም ዝኣትዉ ብምግላፅን ከባቢኡ ብንቕሓት ብምሕላውን ጠንካራ ደጀንነቱ ንክቕፅል መንግስቲ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።
 
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.