Fana: At a Speed of Life!

ካብ ወፃኢ ንግዲ ቡን ልዕሊ 571 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ካብ ወፃኢ ንግዲ ቡን ልዕሊ 571 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ በዓል መዚ ሻሂን ቡንን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ምክትል ዋና ዳይሬክተር እቲ በዓል መዚ ኣይተ ሻፊ ኡመር ንፋና ብሮድካስቲን ኮርፖሬት ከምዝበሉዎ÷ ካብ ፍርያት ቡን ዝርከብ ኣታዊ ንምዕባይ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምውዳድ እናተሰርሐ ይርከብ፡፡

ብፍላይ ፅሬት ፍርያት ምዕባይ፣ ሸንሸል ምትእስሳር ዕዳጋ ንምዝማንን ኣብ ምምፃእ ሸርፊ ወፃኢን ብትኹረት ከምዝተሰርሐ ኣልዒሎም፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ እውን ልዕሊ 117 ሺሕን 955 ቶን ቡን ናብ ዝተፈላለያ ናይ ወፃኢ ሃገራት ከምዝተለኣኸ ተዛሪቦም፡፡

በዚ ድማ ልዕሊ 571 ነጥቢ 4 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ብምሕባር÷ ኣብ ቀፃሊ እቲ ኣታዊ ብዝበለፀ ንምዕባይ ብምትሕብባር ከምዝስራሕ ገሊፆም፡፡

ብመላኩ ገድፍ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.