Fana: At a Speed of Life!

ካብ ዘረሓሕቐና ተግባራት ብምርሓቕ ኣብ ዘተኣኻኽቡና ኩነታታት ምትጋህ ይግባእ – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕድ ሕድ ካብ ዘጋጭውን ካብ ዘጠራጥሩ ተግባራት ብምርሓቕ ብፍቕሪን ሓድነትን ብምንባር ከም ዳሜራ መተኣኻኸቢ ጥበብ ምዕዳግ ይግባእ ክብላ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን፡፡

ከንቲባ ኣዳነች፥ በዓል ዳሜራ መስቀል 2016 ዓ.ም ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፈን።

ኣብ መልእኽተን ድማ÷ “በዓል መስቀል እንትነኽብር ሕድ ሕድና ብምፍታው፣ ካብ ዘይረብሑ ጉዳያት ነኒባዕልና ካብ ዘጋጭዉን ዘጠራጥሩን ሓሳባትን ተግባራትን ብምርሓቕ ክኸውን ኣለዎ” ኢለን፡፡

ብፍቕሪን ብሓድነትን ብምንባር ከም ዳሜራ ዘተኣኻኽብ ጥበብ እናዓደግካ ምኽባር ከምዝግባእ እውን ኣገንዚበን፡፡

“ኩልና ንከተማናን ሃገርናን ሰላምን ልምዓትን ዳሜራና ንደምር” ክብላ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን መልእኽቲ ኣመሓላሊፈን፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.