Fana: At a Speed of Life!

ካብ ዝሓለፈ ናይ ሓባር ታሪክና ዝወረስናዮም ዝተዛብዑ ርክባት ብምምዕርራይ ሓደ ናይ ፖለቲካን ኢኮኖሚን ማሕበረሰብ ምህናፅ ትፅቢት ይግበረና- ፕ/ት ሳህለወርቅ ዘውዴ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ካብ ዝሓለፈ ናይ ሓባር ታሪክና ዝወረስናዮም ዝተዛብዑ ርክባት ብምምዕርራይ ሓደ ናይ ፖለቲካን ኢኮኖሚን ማሕበረሰብ ምህናፅ ትፅቢት ይግበረና ኢለን።

እተን ፕሬዚዳንት ምምሕዳር ወሰን፣ መንነትን ባዕልኻ ንባዕልኻ ምምሕዳርን ዘለዉ ፀገማትን ዘላቒ መፈትሒ ብዝምልከት ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ኢየን ነዚ ዝበላ።

እቲ መድረኽ ዘተ፥ ሳይንሳዊ ምክረ ሓሳብ ንምምሕዳር ወሰን፣ መንነትን ባዕልኻ ንባዕልኻ ናይ ምምሕዳርን ፀገማትን ዘላቒ መፈትሒን ብዝብል መሪሕ ቃል ኢዩ ዝካየድ ዘሎ።

ኣብቲ ስነስርዓት፥ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ሓዊሱ ሓለፍቲ ስራሕ ፌዴራል፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልላት፣ ኣፈ ጉባኤ ክልላት፣ ምሁራንን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ይሳተፉ ኣለዉ።

እቲ ሲምዚየም ኮሚሽን ምምሕዳር ወሰንን መንነትን ዘዳለዎ እንትኸውን ሎሚን ፅባሕን ክካየድ ኢዩ።

ብለይኩም ኣለም

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.