Fana: At a Speed of Life!

ካብ ፍርያት ቡን፣ ሻሂን ቅመማቅመምን ልዕሊ 907 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትሽዓተ ኣዋርሕ እቲ በጀት ዓመት ናብ ወፃኢ ዕዳጋ ካብ ዝቐረበ  ፍርያት ቡን፣ ሻሂን ቅመማቅመምን ልዕሊ 907 ነጥቢ 56 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ በዓል መዚ ቡንን ሻሂን ኢትዮጵያ ገሊፁ።

እቲ ኣታዊ ናብ ወፃኢ ዕዳጋ ካብ ዝቐረበ ልዕሊ 169 ሺሕ ቶን ፍርያት ቡን፣ ሻሂን ቅመማቅመምን ዝተረኸበ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ጀርመን፣ ስዑድ ዓረብ፣ ኣሜሪካ፣ ኬንያ፣ ብሪታኒያ፣ ቻይና፣ ህንዲን ካልኦት ሃገራትን እቶም ፍርያታት ዝተለኣኸለን ሃገራት ከምዝኾና ፈፃሚ ስራሕ ልምዓት ዕዳጋን ፕሮሞሽንን እቲ በዓል መዚ ካሳሁን ገለታ ንግዜኢ ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ዝተረፉ ሰለስተኣዋርሕ እቲ በጀት ዓመት ፍርያት ቡን፣ ሻሂን ቅመማቅመምን ብፅሬትን በዝሒን ናብ ወፃኢ ዕዳጋ ብምቕራብ ዝሐሸ ውፅኢት ንምምዝጋብ ከምዝሰርሕ ኣመልኪቶም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube    

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.