Fana: At a Speed of Life!

ካብ 10 ሃገራት ዝተውፃእፅኡ ጀኔራላትን ላዕለዎት መኮንናትን ኣብ ትካልት ምክልኻል ዑደት ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ 10 ሃገራት ዝተውፃእፅኡ 18 ጀኔራላትን ላዕለዎት መኮንናትን ሚኒስቴር ምክልኻል ሓዊሱ ኣብ ትካልት ምክልኻል ዑደት ገይሮም።

እቶም ዑደተኛታት ኣብ ብሪታንያ ካብ ዝርከብ ሮያል ኮሌጅ ኦፍ ዲፌንስ ዝመፅኡ እንትኾኑ÷ ተምሃሮ ኮርስ ግሎባል ስትራቴጂ ፕሮግራም ከምዝኾኑ ተገሊፁ፡፡

ኣብ ላዕለዋይ መምርሒ ምክልኻል ኣዛዚ ዋና መምርሒ ምክልኻልን ስልጠና ትምህርቲን ሌተናል ጄኔራል ይመር መኮንንን ዋና ዳይሬክተር ርክብ ወፃኢን ወታደራዊ ምትሕብባርን ሜጄር ጄኔራል ተሾመ ገመቹ ነቶም ዑደተኛታት ገለፃ ገይሮም፡፡

ኣብ ዋር ኮሌጅ ምክልኻል ኣብ ዝተዓዘቡሉ እዋን ድማ እዋናዊ ኩነታት ሰላምን ፀፅታን ቀርኒ ኣፍሪካ እንታይ ከምዝመስል ብኣዛዚ እቲ ኮሌጅ ብርጋዲየር ጄኔራል ቡልቲ ታደሰ ገለፃ ተገይሩሎም፡፡

እቶም ዑደተኛታት እቶም ትካላት ንምምፍላጥን ንምዕዛብን ንዘቕረቡዎ ሕቶ ኣዎንታዊ ምላሽ ካብ ምሃብ ጀሚሩ ግልፂ ኣብ ዘይኮኑሎም ወታደራዊ ጉዳያትን ኣብ እዋን እቲ ዑደት ንዘልዐሉዎም ሕቶታት ግቡእ ምላሽ ብምርካቦም ሕጉሳት ከምዝኾኑ ካብ ማሕበራዊ ሚዲያ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.