Fana: At a Speed of Life!

ካብ 100 ሺሕ ንላዕሊ ዘሎ ኖት ብር ዝቕየረሉ እዋን 6 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ክዛዘም ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መስከረም፣2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ካብ 100 ሺሕ ንላዕሊ ዝኾነ ኣረጊት ኖት ብር ዝሓዙ ኣካላት ክሳብ 6 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ብሓዱሽ ኖት ብር ንኽቕይሩ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ፀዊዑ።

መንግስቲ ዝፀንሐ ኖት ብር ብሓዱሽ ኖት ብር ንምቕያር ገደብ እዋን 90 መዓልቲ ከምዘቐመጠ ዝፍለጥ እንትኸውን፥ ካብ 100 ሺሕ ክሳብ 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ኣረጊት ኖት ብር ንምቕያር ዝተቐመጠ ገደብ እዋን ድማ 30 መዓልቲታት ጥራሕ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

በመሆኑም ህብረተሰቡ በመንግስትም ሆነ በግል ባንኮች በእጃቸው የሚገኘውን አሮጌውን የብር ኖት በተሰጠው የጊዜ ገደብ ውስጥ እንዲቀይሩ ማሳሰቢያ ተሰጥቷል።

ስለዝኾነ ድማ ሕብረተሰብ ኣብ ኢዱ ዘሎ ኣረጊት ኖት ብር ናብ መንግስታዊን ዘይማንግስታዊ ባንኪታት ብምኻድ ኣብቲ ዝተቐመጠ ገደብ እዋን ንኽቕይር ብሄራዊ ባነኪ ኢትዮጵያ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.