Fana: At a Speed of Life!

ካብ 12 ሕዳር ጀሚሩ ልዕሊ 20 ሺሕ ኢትዮያውያን ካብ ስዑድ ዓረብ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ 12 ሕዳር ክሳብ 20 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም ኣብ ዘሎ እዋን ልዕሊ 20 ሺሕ ኢትዮያውያን ካብ ስዑድ ዓረብ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም።

ካብ ሞንጎ ተመለስቲ 19 ሺሕን 689 ደቂ ተባዕትዮ፣ 2 ሺሕን 673 ደቂ ኣንስትዮን 724 ህፃናትን ሰገናትን ከምዝርከቡዎም ተሓሩ፡፡

ትማሊ ኣብ ዝተሳለጠ ኣብ ስዑድ ዓረብ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝነበሩ ዜጋታት ናይ ምምላስ ስራሕ÷ 521 ዜጋታት ናብ ሃገሮም ከምዝተመለሱ ካብ ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እቲ ናይ ምምላስ ስራሕ እናቐፀለ እንትኸውን÷ ንተመለስቲ ኣብ ማእኸላት መፅንሒ ግቡእ ሓገዝን ክንክንን ብምግባር ምስ ስድረኦም ናይ ምሕዋስ ስራሕ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.