Fana: At a Speed of Life!

ካብ 9ይ ክሳብ 11 ሰሙን ዝግበሩ መርሃ ግብሪታት ፕሜር ሊግ ሽፋን ቀጥታ ፈነወ ኣይህልዎምን ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ 9ይ ክሳብ 11 ሰሙን ዝግበሩ መርሃ ግብሪታት ፕሪሜር ሊግ ኢትዮጵያ ሽፋን ቀጥታ ፈነወ ሱፐር ስፖርት ከምዘይህልዎም ማሕበር ኣክሲዮን እቲ ሊግ ኣፍሊጡ።

እቲ ማሕበሩ ከምዝገለፆ÷ መርሃ ግብሪታት መበል 9 ሰሙን ረቡዕ 24 ታሕሳስ እንትካየዱ ናይ ቦታ ለውጢ ኣይተገበረሎምን፡፡

ብምዃኑ ካብ 9ይ ክሳብ 11 ሰሙን ዘለዉ መርሃ ግብሪታት እቲ ሊግ ኣብ ከተማ ኣዳማ – ስታዲየም ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዳማ ከምዝካየዱ እቲ ማሕበር ኣፍሊጡ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ናይ ሰለስቲኦም ፀወታታት ቅድሚ ሕዚ ብመሰረት ዝተገለፀ ድልድል ቀጥታ ፈነወ ሽፋን ቀጥታ ፈነወ ሱፐር ስፖርት ከምዘይህልዎም እቲ ማሕበር ገሊፁ፡፡

ኣክሲዮን ማሕበር ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ 180 መርሃ ግብሪታት እቲ ብሱፐር ስፖርት ቀጥታ ፈነወ ሽፋን ንመሃብ ውዕሊ ከምዝኣተወ ይፍለጥ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.