Fana: At a Speed of Life!

ኬንያ ኣፍሪካ ብምውካል ኣብ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ተለዋጢ ኣባልነት ረኺባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኬንያ ኣፍሪካ ብምውካል ኣብ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ተለዋጢ ኣባልነት ረኺባ።

ንኣፍሪካ ብምውካል ኣብቲ ቤት ምኽሪ ተለዋጢ ኣባልነት ንምርካብ ብዝተገበረ መረፃ ኬንያ ንጂቡቲ ብኣብዝሓ ድምፂ ስዒራ።

ንኣባልነት ኣብ ዝተውሃበ ድምፂ ኬንያ 129 ድምፂ እንትትረክብ፥ ጂቡቲ ድማ 62 ድምፂ ክትረክብ ክኢላ።

ኬንያን ጂቡቲን ኣብ ፈላማይ ዙር ስነ-ስርዓት ምሃብ ድምፂ ተዓዋቲት ንምዃን ዘድሊ ክልተ ኢድ (2/3) ድምፂ ኣይረኸባን ነይረን።

ነዚ ስዒቡ ድማ ኬንያ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ቀዋሚ ዘይኮነ መቐመጢ ንዝነበራ ደቡብ ኣፍሪካ ክትትክእ ኢያ።

ፕሬዚዳንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ፥ ሃገሮም በቲ ዝተኻየደ መረፃ ክትዕወት ምኽኣላ እታ ሃገር ብምሕዝነት ልምዓት ዘምፀአቶ ዕቤት ዘርኢ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኬንያ ኣብቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዝህልዋ ፃንሒት፥ ተሰማዕነትን ምውሳኽ ድምፂን ኣፍሪካ ከምኡ እውን ኣብቲ ጉባኤ ንምስታፍ ተስመዖም ዝነበሩ በዓል 10 ነጥቢ ኣጀንዳታት ከምተፋልጥ ኣብሪሆም።

ፍልፍል፦ ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.