Fana: At a Speed of Life!

ክልላት ሰብኣዊ ሓገዝ ብፍትሓውነት ናይ ምውዛዕ ስራሕ ሓላፍነተን ብኣግባቡ ንክዋፃኣ ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ክልላት ብምንግስቲ ዝቐርብ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ ብፍትሓውነት ናይ ምውዛዕ ስራሕ ሓላፍነተን ብኣግባቡ ንክዋፃኣ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ ኣተሓሳሲቡ።

ተወካሊ ኣፈፃሚ ስራሕ ርክብ ህዝብን ኮሚኒኬሽንን እቲ ኮሚሽን ኣታለል ኣቦሃይ፥ ብሰብ ስራሕን ተፈጥሮኣዊን ሓደጋ ጉድኣት ንዘጋጠሞም ወገናት ብዓይነትን ብገንዘብን ዝግበር ደገፍ ብዝተጠናኸረ መገዲ ይቐርብ ኣሎ ኢሎም።

ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ብሰለስተ ዙራት ገንዘብን ሃነፅቲ ምግብታትን ሓዊሱ ምግብን ምግቢ ተንከፍ ዘይኮኑን ሰብኣዊ ሓገዝ ንዘድሊዮም ወገናት ተበፃሒ ከምዝተገበረ ተዛሪቦም።

ብመሰረት እዚ ልዕሊ 849 ሺሕ ኩንታል እኽሊን 540 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብርን ደገፍ ከምዝተገበረ ሓቢሮም።

ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ዙር 7 ነጥቢ 3 ሚሊየን ዜጋታት ብገንዘብን ዓይነትን ደገፍ ከምዝተገበረሎም ኣብሪሆም።

ኣብ ሳልሳይ ዙር ድማ 6 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዜጋታት ሰብኣዊ ደገፍ ተገይሩሎም ኢሎም።

እቲ ሓገዝ ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን ንዘለዉ ነበርቲ ከምዝቐረበ ድማ ተዛሪቦም።

መንግስቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣቋሪፆም ዝወፅኡ ግብረ ሰናት ትካላት ዝፈጠርዎ ክፍተት ንምምላእ ካብ መሐለውታ መጋዘን ምግቢ 894 ሺሕን 302 ኩንታል እኽሊ ደገፍ ከምዝገበረ ሓቢሮም።

ዓለም ለኻዊ ትካላት ቀረብ ሰብኣዊ ደገፍ ኣቋሪፆም ከምዝነበሩ በምዝኽኻር፥ ብዲፕሎማሲያዊ ምዝርራብ መንግስቲ ብዝመርሖ ኣካይዳ ደገፎም ንክቕፅሉ ምግባር ከምዝተኽኣለ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)ን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ኮሚሽንን ብዝሰርሕዎ ዲፕሎማሲያዊ ስራሕ ፕሮግራም ምግቢ ዓለምን መንግስታዊ ዘይኮኑ ትካላትን ጥምረት ኣብ ሳልሳይ ዙር ደገፍ ከምዝገበሩ ገሊፆም።

ብመሰረት እዚ ካብቶም ትካላት ኣብ ሳልሳይ ዙር 30 ሚኢታዊ ዝኾኑ 400 ሺሕ ኩንታል ሰብኣዊ ደገፍ ምቕራቡ ብምግላፅ፥ እቲ ደገፍ ኣብ መበል ራብዓይ ዙር እውን ከምዝቐፀለ ተዛሪቦም።

መንግስቲ ዓለም ለኸ ትካላት ብምትሕብባር ኣብ መበል ራብዓይ ዙር ን6 ነጥቢ 6 ሚሊየን ዜጋታት ሰብኣዊ ደገፍ የቕርብ ከምዘሎ ኣገንዚቦም።

ስለዚ ክልላት ሰብኣዊ ሓገዝ ብፍትሓውነት ናይ ምውዛዕ ስራሕ ሓላፍነተን ብኣግባቡ ንክዋፃኣ ኣተሓሳሲቦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.