Fana: At a Speed of Life!

ክልላት ንማሕበረሰብ ተኮር ግልጋሎት ፍትሒ ትኹረት ክህባ ይግባእ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ክልላት ንማሕበረሰብ ተኮር ግልጋሎት ፍትሒ ትኹረት ክህባ ከምዝግባእ ሚኒስትር ፍትሒ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ኣተሓሳሲቦም፡፡

ራብዓይ ሓበራዊ መድረኽ ዘተ ሚኒስቴር ፍትሒ፣ ቢሮ ፍትሒ ክልላትን ትካላት ላዕለዋይ ዓቀብቲ ሕጊን ተኻይዱ፡፡

ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ኣብቲ መድረኽ ከምዝገለፁዎ÷ ምትግባር ግልጋሎት ማሕበረሰብ ተኮር ፍትሒ ርክብ ሕበረሰብን ሃገረ መንግስቲን ንምርኣይ ይሕግዝ፡፡

ካብ ወፃኢ ዝመፅኡ ተሞክሮታት ኣወፃፅ ኣሕጊ ሕብረተሰብ እናረኣዩሉ ዝነበሩ መነፅር ብምልዋጥ ምስ ኩነታት ማሕበረሰብ ዝተጠዓዓመን ዝተገባዘቡን ሕጊታት ንምውፃእ ልዑል ግደ ከምዘለዎ ኣብሪሆም፡፡

ኣካላት ፍትሒ ፌዴራል ወይእውን ክልላት በይኖም ዝገብሩዎ ምንቅስቓስ ጥራሕ ንሕቶ ፍትሒ ምላሽ ክህቡ ከምዘይኽእሉ እውን ገሊፆም፡፡

ምትሕብባር ስርዓት ፌዴራል ክቕፅል ንምግባር ዝተጀመረ ስራሕቲ ምትሕብባር ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.