Fana: At a Speed of Life!

ክልል ሃረር ምስ እዚ ምብራቕ ብምትሕብባር ዘሰልጠኖም ሚሊሻታት ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ክልል ሃረር ምስ እዚ ምብራቕ ብምትሕብባር ዘሰልጠኖም ሚሊሻታት ኣመሪቑ።

ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሃረር ወይዘሮ ሚስሪያ ኣብደላ፥ ህወሓት ንኢትዮጵያ ንምፍራስን ንምብታንን ሓሲቡ ዝኸፈቶ ኲናት ብዝተሓባበረ ቅልፅም ብምምካት ዝተጀመሩ ስራሕቲ ልምዓት ንምቕፃል እቶም ዝተመረቑ ሓይሊታት ሓዊሱ ኩሎም ሓይሊታት ፀፅታ ተጣሚሮም ክሰርሑ ይግባእ ኢለን።

ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ እቲ ክልል ሃረር ወይዘሮ ኣዲስኣለም በዛብህ ብግደን፥ ግብረ ራዕዳውያን ህወሓትን ሸኔን ዘንፀላለዉዎ ሓደጋ ህልውና ንምምካት ኩሉ ሰብ እናገበሮ ካብ ዘሎ ርብርብ ብተወሳኺ ሓይሊታት ፀፅታ ኣብ ቅድሚት ተሰሊፎም መስዋእቲ እናኸፈሉ ከምዝኾኑ ተዛሪበን።

እቶም ተመረቕቲ ሰላምን ድሕንነትን ከባቢኦም ካብ ምሕላው ብተወሳኺ ምስ ካልኦት ሓይሊታት ፀፅታ ብምውዳድ ምንቅስቓስ ግብረ ራዕዳውያን መፈሽሉ ከምዝግባእ ምዝራበን ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብና ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.