Fana: At a Speed of Life!

ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ንስደተኛታት እናገበሮ ዝርከብ ክንክን ውሕመ ናእድኡ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ካብ ሱዳን ተመዛቢሎም ኣብ ግዚያዊ መዕቖቢ ዞባ ኣሶሳ ወረዳ ኩርሙክ ንዝርከቡ ንስደተኛታት እናገበሮ ዝርከብ ክንክን ላዕለዋይ ኮሚሽነር ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት መንግስታ ፊሊፖ ግራንዴ ናእደኦም ገሊፆም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ኣይተ ኣሻድሊ ሓሰን ምስ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ኮሚሽን ስደተኛታት ውሕመ ፊሊፖ ግራንዴ ኣብ ኣሶሳ ተዛቲዮም፡፡

ኣብ ዘተኦም ድማ ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ ካብ ዝተቐበለቶም ስምምዓት ኣተሓሕዛ ስደተኛታት ሓደ ከምዝኾነ ኣይተ ኣሻድሊ ኣብሪሆም፡፡

ካብ ሱዳን ተመዛቢሎም ኣብ ግዚያዊ መዕቖቢ ጣቢያ ወረዳ ኩርሙክ ንዝርከቡ ዜጋታት ብቐረባ ክትትል እናተገበረ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

መንግስቲ እቲ ክልል ንስደተኛታት እናገበሮ ዝርከብ ክንክን ዝነኣዱ ኮሚሽነር ፍሊፖ ግራንዴ ብግደኦም÷ እቲ ክልል ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ብሰብ ስራሕን ተፈጥሮን ፀገማት ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ዜጋታት ክንክን ብምግባር ናብ ስሩዕ ናብረኦም ክምለሱ እናገበሮ ዝርከብ ስራሕ ንኻልኦት ኣርኣያ ዝኸውን ከምዝኾነ ምግላፆም ሓበሬታ ኮሙኒኬሽን እቲ ክልል የመላኽት፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.