Fana: At a Speed of Life!

ክልል ትግራይ መሊስካ ንምጥያሽ መርሃ ግብሪ ተሓንፂፁ ናብ ተግባር ከምዝተኣተወ ም/ቀ/ሚኒስትር ደመቀ መኮንን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝወሰዶ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ምዝዛሙ ስዒቡ ቅልጡፍ መርሃ ግብሪ መሊስካ ምጥያሽ ተሓንፂፁ ናብ ተግባር ከምዝተኣተወ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ተዛሪቦም።

ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ዝተፈላለዩ ክፍላት ኢትዮጵያ ዝተመዛበሉ ሰላማዊ ዜጋታት ንምሕጋዝ ኣብ ብሪታኒያ ንሰለስተ ሰሙን እናተኻየደ ዝፀንሐ ምድላው ምትእኽኻብ እቶት መርበብ ሓበሬታ ተዛዚሙ።

ኣብ ዘፈር ኢኮኖሚ እናተወሰደ ዝርከብ ሪፎርም ዘይተወሓጠሎም ናይ ውሽጢን ወፃኢን ኣካላት ብዝተፋሕሰ ሽርሒ ህዝቢ ናብ ፀገምን ጥፍኣትን ከኣቱ እናገበሩዎ ፀኒሖም ኢዮም ኢሎም።

መንግስቲ ክሕደት ኣብ ዝፈፀሙ ሓይሊታት ስጉምቲ ብምውሳድ ሕጊ ኣብ ምኽባርን ምድሓን ተግባር ከምዝተሰርሐ ብፅራሕ፤ በቲ ዝተገበረ ርብርብ እቲ ጁንታ ፈፂሙ ኣብዘየንሳዕርረሉ ኩነታት ሓመድ ድብኡ ተዛዚሙ ዝተረፉ ድማ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር እናወዓሉ ከምዝርከቡ ኣይተ ደመቀ ገሊፆም።

ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ኢትዮጵውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ብኣተሓባባራይነት ኤምባሲታት ወገናቶም ንምሕጋዝን ንምጥያሸን ገንዘብ ብምትእኽኻቦም ኣመስጊኖም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.