Fana: At a Speed of Life!

ክልል ኣምሓራ ስልጠና ተሃድሶ ኣድማ ብተና ዝወሰዱ ኣባላት ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ክልል ኣምሓራ ስልጠና ተሃድሶ ኣድማ ብተና ወሲዶም ዝዛዘሙ ነበረት ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ሎሚ ከምዝተመረቑ ቢሮ ኮሙኒኬሽን መንግስቲ እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ኣብ ወታደራዊ መሰልጠኒ ብር ሸለቆ ብካልኣይ ዙር ስልጠና ተሃድሶ ኣድማ ብተና ዝወሰዱ ነበር ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልል ስነ-ስርዓት ምረቓ ተኻይዱ።

ሓላፊ እቲ ቢሮ መንገሻ ፈንታው (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝገለፁዎ÷ ኣብቲ ክልል እናዓሰለ ዝመፅአ ሰላም ብዘላቕነት ኣጠናኺርካ ክቕፅል ንምግባር ብትኹረት እናተሰርሐ ይርከብ።

ስልጠና ተሃድሶ ብምውሳድ ናብ ኣድማ ብተና ዝተፀምበሩ ኣባላት ፖሊስ ምስ ካልኦት ሓይሊታት ፀፅታ ፌዴራልን እቲ ክልልን ብምዃን ሕዚ ንዝመፅአ ሰላም ናይ ባዕሎም ኣስተዋፅኦ ምግባሮም ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.