Fana: At a Speed of Life!

ክልል ኣየር ኢትዮጵያ ብብቕዓት ንምሕላው ዘኽእል ሓይሊ ኣየር ከምዝተሃነፀ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)24 ሰዓት ክልል ኣየር ኢትዮጵያ ብዘተኣማምን ብቕዓት ንምሕላው ዘኽእል ሓይሊ ኣየር ከምዝሃነፀ ዋና መምርሒ መሳርሒን ፅገናን መከላኸሊ ኣየር ኣፍሊጡ።

ሓላፊ እቲ መምርሒ ኮሎኔል ተሾመ ባጫ ከምዝገለፁዎ÷ ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ሓይሊ ኣየር ናይ ምትግባር ዓቕሙ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ክብ ኢሉ ኢዩ፡፡

እቲ ሓይሊ ኣየር ብዘበናዊ ቴክኖሎጂታትን ብዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብን ኣብ ምውዳብ ዝበረታታዕ ስራሕ ከምዝተወገነ ኣመልኪቶም፡፡

“ሃገራዊ ለውጢ ስዒቡ ዓቕሚ ምፍፃም ወፍሪ እቲ ሓይሊ ኣየር ክብ ንምባል ዝተሰርሑ ስራሕቲ ጭቡጥ ለውጢ ኣምፂኦም ኢዮም” ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ሓይሊ ኣየር ፌዴሪኢ ብዘበናዊ ዕጥቂን ብቑዕ ሓይሊ ሰብን ክሕገዝ ምግባር ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ዘተኣማምን ዘብዒ ክልል ኣየር ኢትዮጵያ ኮይኑ ከምዝተሃነፀ ኣረጋጊፆም፡፡

እቲ ሓይሊ ኣየር ዝተዓጠቖም መሳርሒታት ብምፅጋን ብግቡእ ኣብ ረብሓ ክውዕሉ ንምግባር ዘኽእል ብቑዕ ሓይሊ ሰብ ከምዘፍረየ እውን ኣመልኪቶም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.