Fana: At a Speed of Life!

ክልል ኦሮሚያ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር 3 ሺሕን 656 ማሕረዲ እንስሳት ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ክልል ኦሮሚያ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር 3 ሺሕን 656 ንማሕረዲ ዝኾና እንስሳት ሓገዝ ገይሩ።

እቲ ክልል 1 ሺሕን 411 ሰንጋ ፣ 1 ሺሕን 85 ኣጣል፣ 1 ሺሕን 160 ኣባጊዕ ብድምር 3 ሺሕን 656 ንማሕረዲ ዝኾና እንስሳት ሓገዝ ገይሩ፡፡

እቲ ሓገዝ ዘረከባ ሓላፊት ቢሮ እቶት ክልል ኦሮሚያ መስከረም ደበበ÷ ህልውና ንዝሕልዉ ሰራዊት ምክልኻል ህዝቢ ደጀንነቱ ከምዝቕፅል ተዛሪበን።

እቲ ሓገዝ ዝተረከቡ ዳይሬክተር ጀነራል ዕድጊት ሚኒስቴር ምክልኻል ኣለምሰገድ ወንዶሰን ብግደኦም÷ ሓገዝ ዘለዎ ሰራዊት ኩሉ እዋን ተዓዋታይ ከምዝኾነን እቲ ሓገዝ ተጠናኺ ንኽቕፅን ፀዊዖም።

ብቅድስት ብርሃኑን ለሊሲ ተስፋዬን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.