Fana: At a Speed of Life!

ክልል ኦሮሚያ ንክልል ሲዳማ ብር 100 ሚሊየን ሓገዝ ክገብር ኢዩ – ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ

አዲስ አበባ ፣ የካቲት 15 ፣ 2013 (ኤ.ቢ.ሲ)ክልል ኦሮሚያ ሎሚ መዓልቲ ዕላዊ ምስረትኡ ንዘካየደ ክልል ሲዳማ ብር 100 ሚሊየን ሓገዝ ከምዝገብር ፕሬዚዳንት እቲ ክልል ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ገሊፆም።

ኣይተ ሽመልስ እዚ ዝገለፁ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምስረታ ኣብ ዘስምዑዎ መደረ ኢዩ።

ህዝቢ ሲዳማ ምስ ህዝቢ ኦሮሞ ቋንቋን ባህሊን ዝካፈል ህዝቢ ከምዝኾነ እቶም ርእሰ ምምሕዳር ኣብ መደረኦም ኣብሪሆም።

ህዝቢ ክልል ሲዳማ ፅቡቕ ባህሊ ዘለዎ ምስ ኩሉ ብፍቕሪ ክነብር ዝኽእል ህዝቢ ከምዝኾነ እውን ኣገንዚቦም።

ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ናይ ክብሪ ጋሻ እቲ ዕለትን ኣይተ ኣደም ፋራሕ ብግደኦም፥ ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም መልእኽቲ እንኳ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፎም፡፡

ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን፥ ሕገ-መንግስቲ መሰረት ብምግባር ህዝቢታት ባዕሎም ንባዕሎም ንኽመርሑ፣ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ተረባሕነቶም ንኸረጋግፁ ከምዝሰርሕ ኣፍሊጦም፡፡

መንግስታት ክልል ሕድሕድ ሕውነትን ሓድነትን ህዝቢታት ዘጠናኽሩ ስራሕቲ ኣጠናኺሮም ክቕፅሉ ከምዝግባእ እውን ኣተሓሳሲቦም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሲዳማ ኣይተ ደስታ ሌዳሞ፥ ሕቶ ህዝቢ ሲዳማ ምላሽ ረኺቡ ናብዚ ዕለት ስለዝበቓዕና እንኳዕ ደስ በለና ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም፡፡

ከጥንት ጀምሮ የሲዳማ ህዝብ ሲጠይቅ የነበረውን ጥያቄ በሀገሪቱ የመጣው ለውጥና የለውጡ አመራሮች መልስ ሰጥተውታል ለዚህም ከፍ ያለ ምስጋና ይገባቸዋልም ነው ያሉት

ህዝቢ ሲዳማ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ እናሓተቶ ዝነበረ ሕቶ ኣብታ ሃገር ዝመፅአ ለውጢን ብኣመራርሓታት እቲ ለውጢን መልሲ ሂቦምዎ ኢዮም ነዚ ድማ ልዑል ምስጋና ይግበኦም ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.