Fana: At a Speed of Life!

ክልል ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ንክልል ትግራይ ኣስታት 15 ሚሊየን ብር ዝግመት ደገፍ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ክልል ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ንክልል ትግራይ ኣስታት 15 ሚሊየን ብር ዝግመት ሓገዝ ዘርእን እኽልን ገይሩ።

እቲ ሓገዝ፥ 200 ኩንታል፣ 1 ሺሕን 500 ኩንታል ምሩፅ ዘርኢ ስርናይ፣ 300 ኩንታል ሕሩጭ ልሙዕ ምግብን ካልኦት ዓይነት እኽልን ብድምር 2 ሺሕ ኩንታል ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ተወከልቲ እቲ ክልል ነቲ ሓገዝ መቐለ ብምኻድ ዘረከቡ እንትኾኑ፥  እቲ ዝተገብረ ሓገዝ ምሩፅ ዘርኢን ንምግብነት ዘገልግል ሕሩጭን ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይእያሱ ኣብርሃ (ዶ/ር)ን ኮምሽነር ኮምሽን ቅድመ መጠንቀቕታን ሓደጋን ድልውነትን ግዚያዊ ምምሕዳት እቲ ክልል ዶ/ር ገ/ህይወት ን ተረኪበምዎ።

ዶክተር እያሱ፥  ንህዝብን መንግስትን ክልል ደቡብ ምዕራብ ኢትዮዽያ ብምምስጋን ኣብ ሕውየት ትግራይ ንዘበርክትዎ እጃም ንኢዶም።

ነዚ ሓገዝ መንግስትን ህዝብን ክልል ደቡብ ምዕራብ ኢትዮዽያ ወኪሎም ዝተረኸቡ ናይቲ ክልል መንግስቲ ዋና ተፀዋዒ ኣይተ ፀጋየ ማሞን ምክትል ርእሰ ምምሕዳርን ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን እቲ ክልል ኣይተ ማስረሻ በላቸውን ብግደኦም፥ መንግስቶምን ህዝብን ክልል ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ህዝቢ ትግራይ ንዘጋጠሞ ፀገም ብምግንዛብ ኣካል ሕውየቱ ንምዃን ኣብ ጎድኑ ከምዝስለፉ ኣረጋጊፆም።

እቲ ክልል፥ ቅድሚ ሐዚ እውን ንትግራይ ብር 10 ሚልየን ብጥረ ገንዘብ ብሓገዝ ለጊሱ ምንባሩ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገፀርን ክልል ትግራይ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲይኡ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.