Fana: At a Speed of Life!

ክልል ደቡብ ደገፍ ምሩፅ ዘርእን እታዎታትን ሕርሻን ንትግራይ ሂቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲን ህዝብን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ክልል ደቡብ ደገፍ 1 ሺሕን 500 ኩንታል ምሩፅ ዘርእን 3 ሺሕን 600 ዝተፈላለዩ እታዎታትን ሕርሻን ንትግራይ ሂቡ።

እቲ ደገፍ ልዕሊ 18 ሚሊየን ብር ዝግመት ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ጉጅለ ልኡኽ እቲ ክልል ዝሓዞም ደፋት ምሩፅ ዘርእን እታዎታት ሕርሻን ናብ መቐለ ብምኻድ ንሓላፊ ቢሮ ሕርሻ ክልል ትግራይ ኢያሱ ኣብርሃ (ዶ/ር) ኣረኪቡ።

ነቲ ደገፍ ዘረከቡ ኣይተ ኣለምይርጋ ወ/ስላሴ፥ እቲ ደገፍ ንዘጋጠመ ፀገም ተደጋጊፍና ንምሕላፍ ዝዓለመ ኢዩ ኢሎም።

እዚ ድማ ባህሊምትሕግጋዝ ክብ ንምባል ዝረብሕ ከምዝኾነ ብምዝራብ፥ ኣብ ቀፃሊ እውን ኣብ ጎኒ ህዝብን መንግስቲን ክልል ትግራይ ብምስላፍ ዝግበር ደገፍ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፆም።

ዶክተር ኢያሱ ኣብርሃ ብግደኦም፥ ኣብቲ ክልል ብሰንኪ ዝነበረ ኲናት ኣብ እታዎት ሕርሻን ምሩፅ ዘርእን ሕፅረታት ምግጣሙ ገሊፆም።

ስለዝኾነ እቲ ደገፍ ነቲ ዘጋጠመ ሕፅረት ኣብ ምቕራፍ ልዑል ግደ ከምዝህልዎ ምግላፆምመ ኣብ ኮሚኒኬሽን ክልል ደቡብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

 

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.